Història de la rondalla de Tigrinya
Les rondalles són literatures orals que es transmeten de generació en generació i s’utilitzen per transmetre una lliçó. Normalment són històries breus que entretenen mentre il·lustren o imparteixen una lliçó moral.
El significat de les històries pot ser obvi o tan subtilment velat que cal mirar-lo per esbrinar-ho. Les històries poden tractar-se d’animals que poden comunicar-se i actuar com humans, plantes o forces naturals. Les forces naturals influeixen en que les coses passin a la història a causa de la seva força, i els animals o les plantes poden moure’s i parlar.
En aquesta aplicació obtindreu rondalles a Tigrinya, aptes per a nens i famílies.
ሓጺር መእተዊ ብዛዕባ ጽውጽዋይ
ጽውጽዋይ ....... ወደኮይ ጸሊማይ
ጽውጽዋይ ሓጺርን ጽፉፍን ስነ-ጽሑፋዊ ቅዲ ዘልዎ ልብወለዳዊ ዛንታ ኮይኑ፡ ከም መልክዕ ተራ ንባብ ወይ ከም ግጥሚ ዝቆመ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሞራላዊ ዝኾነ ትምህርቲ ዘመሓላልፍ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ጽውጽዋይ ብዙሓት ዓይነት ነገራት ዘጠቃልል ኢዩ ከምኒ እንስሳታት ፣ ኣትክልቲ ፣ ህይወት ዘይብሎም ነገራት ፣ ኣፈታሪኻውያን ነገራት ወይ እውን ናይ ተፈጥሮ ሓይልታት። እዞም ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ ጽውጽዋይ ከምኒ እንስሳታት ፣ ናይ ወድሰብ ክእለት ንኣብነት ናይ ምዝራብ ወይ ውን ነገራት ናይ ምግንዛብ ምግንዛብ ዝለብሱ ኮይኖም ኣብ መወዳእታ ድማ ሓደ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ የመሓላልፉ።
ጽውጽዋይ ነዊሕ ታሪኽ ዘሎዎ ኮይኑ ፣ ካብቶም ያታዊ ስነ-ጽሑፍት ድማ ብቀጻልነቱ ብናይ ዘመና ስነ-ፍልጠታውያን ዝተመስከረሉ ኢዩ። ጽውጽዋይ ዳርጋ ኣብ ናይ ዝኾነት ሃገር ስነ-ጽሑፍ ዝርከብ ኢዩ። ኣህጉርና ኣፍሪቃ ድማ ሃብታም ዝኾነ ባህሊ ዘሎዋ ኣብ ልዕሊ ምዃና፡ ጽውጽዋይ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ነገር ነይሩን ኣሎን። ኣብ ሃገርና እውን ፣ ዳርጋ ነፍሲወከፍና፡ ሓቢርና ብወለድና ወይ እውን ኣብ ነሕድሕድና ጽውጽዋይ ናይ ምንግጋር ልማድ ግኑን ኢዩ። ጽውጽዋይ ኣብ ኣተዓባብያን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ሞራል ኣብ ምስግጋርን ዓቢ ተራ ዘሎዎ ኢዩ።
Data d'actualització:
24 d’ag. 2024