Tigrinya Fable Story
Ang mga pabula ay mga panitikang pambigkas na naipasa mula sa henerasyon hanggang sa henerasyon at ginagamit upang maihatid ang isang aralin. Karaniwan silang mga maiikling kwento na nakakaaliw habang naglalarawan o nagtuturo ng isang aralin sa moralidad.
Ang kahulugan ng mga kwento ay maaaring maging halata o kaya subtly tabing na ang isa ay upang tumingin tungkol sa malaman ito. Ang mga kwento ay maaaring tungkol sa mga hayop na maaaring makipag-usap at kumilos tulad ng mga tao, halaman, o likas na pwersa. Ang mga likas na puwersa ay nakakaimpluwensya sa mga bagay na nangyayari sa kwento dahil sa kanilang lakas, at ang mga hayop o halaman ay maaaring makagalaw at makapag-usap.
Sa app na ito nakakuha ka ng mga Fable sa Tigrinya, na angkop para sa mga bata at pamilya.
ሓጺር መእተዊ ብዛዕባ ጽውጽዋይ
ጽውጽዋይ ....... ወደኮይ ጸሊማይ
ጽውጽዋይ ሓጺርን ጽፉፍን ስነ-ጽሑፋዊ ቅዲ ዘልዎ ልብወለዳዊ ዛንታ ኮይኑ፡ ከም መልክዕ ተራ ንባብ ወይ ከም ግጥሚ ዝቆመ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሞራላዊ ዝኾነ ትምህርቲ ዘመሓላልፍ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ጽውጽዋይ ብዙሓት ዓይነት ነገራት ዘጠቃልል ኢዩ ከምኒ እንስሳታት ፣ ኣትክልቲ ፣ ህይወት ዘይብሎም ነገራት ፣ ኣፈታሪኻውያን ነገራት ወይ እውን ናይ ተፈጥሮ ሓይልታት። እዞም ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ ጽውጽዋይ ከምኒ እንስሳታት ፣ ናይ ወድሰብ ክእለት ንኣብነት ናይ ምዝራብ ዓቅሚ ወይ ውን ነገራት ናይ ምግንዛብ ዓቅሚ ዝለብሱ ኮይኖም ኣብ መወዳእታ ድማ ሓደ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ የመሓላልፉ።
ጽውጽዋይ ነዊሕ ታሪኽ ዘሎዎ ኮይኑ ፣ ካብቶም ያታዊ ስነ-ጽሑፍት ድማ ብቀጻልነቱ ብናይ ዘመና ስነ-ፍልጠታውያን ዝተመስከረሉ ኢዩ። ጽውጽዋይ ዳርጋ ኣብ ናይ ዝኾነት ሃገር ስነ-ጽሑፍ ዝርከብ ኢዩ። ኣህጉርና ኣፍሪቃ ድማ ሃብታም ዝኾነ ባህሊ ዘሎዋ ኣብ ልዕሊ ምዃና፡ ጽውጽዋይ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ነገር ነይሩን ኣሎን። ኣብ ሃገርና እውን ፣ ዳርጋ ነፍሲወከፍና፡ ሓቢርና ብወለድና ወይ እውን ኣብ ነሕድሕድና ጽውጽዋይ ናይ ምንግጋር ልማድ ግኑን ኢዩ። ጽውጽዋይ ኣብ ኣተዓባብያን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ሞራል ኣብ ምስግጋርን ዓቢ ተራ ዘሎዎ ኢዩ።
Na-update noong
Ago 24, 2024