Historia da fábula de Tigrinya
As fábulas son literaturas orais que se transmiten de xeración en xeración e que se usan para transmitir unha lección. Normalmente son historias breves que entreten ao ilustrar ou ensinar unha lección moral.
O significado das historias pode ser evidente ou tan sutilmente velado que hai que mirar para descubrilo. As historias poden ser sobre animais que poden comunicarse e actuar como humanos, plantas ou forzas naturais. As forzas naturais inflúen nas cousas que acontecen na historia debido á súa forza, e os animais ou as plantas poden moverse e falar.
Nesta aplicación tes Fables en Tigrinya, axeitado para nenos e familiares.
ሓጺር መእተዊ ብዛዕባ ጽውጽዋይ
ጽውጽዋይ ....... ወደኮይ ጸሊማይ
ጽውጽዋይ ሓጺርን ጽፉፍን ስነ-ጽሑፋዊ ቅዲ ዘልዎ ልብወለዳዊ ዛንታ ኮይኑ፡ ከም መልክዕ ተራ ንባብ ወይ ከም ግጥሚ ዝቆመ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሞራላዊ ዝኾነ ትምህርቲ ዘመሓላልፍ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ጽውጽዋይ ብዙሓት ዓይነት ነገራት ዘጠቃልል ኢዩ ከምኒ እንስሳታት ፣ ኣትክልቲ ፣ ህይወት ዘይብሎም ፣ ፣ ነገራት ነገራት ወይ እውን ናይ ተፈጥሮ ሓይልታት። ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ ጽውጽዋይ ከምኒ እንስሳታት ፣ ናይ ወድሰብ ክእለት ንኣብነት ናይ ዓቅሚ ወይ ውን ነገራት ናይ ምግንዛብ ዓቅሚ ዝለብሱ ኮይኖም ኣብ መወዳእታ ድማ ሓደ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ የመሓላልፉ።
ጽውጽዋይ ነዊሕ ታሪኽ ዘሎዎ ኮይኑ ፣ ካብቶም ያታዊ ስነ-ጽሑፍት ድማ ብቀጻልነቱ ብናይ ዘመና ስነ-ፍልጠታውያን ዝተመስከረሉ ኢዩ። ጽውጽዋይ ዳርጋ ኣብ ናይ ዝኾነት ሃገር ስነ-ጽሑፍ ዝርከብ ኢዩ። ኣህጉርና ኣፍሪቃ ድማ ሃብታም ዝኾነ ባህሊ ዘሎዋ ኣብ ልዕሊ ምዃና፡ ጽውጽዋይ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ነገር ነይሩን ኣሎን። ኣብ ሃገርና እውን ፣ ዳርጋ ነፍሲወከፍና፡ ሓቢርና ብወለድና ወይ እውን ኣብ ነሕድሕድና ጽውጽዋይ ናይ ምንግጋር ልማድ ግኑን ኢዩ። ጽውጽዋይ ኣብ ኣተዓባብያን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ሞራል ኣብ ምስግጋርን ዓቢ ተራ ዘሎዎ ኢዩ።
Última actualización
24 de ago. de 2024