Tigrniya Love Mensaxes SMS
A aplicación contén mensaxes de amor romántico en Tigrinya. Esta aplicación é adecuada tanto para parellas como para aqueles que están namorados por primeira vez. Use a aplicación para enviar textos románticos.
Cada relación require unha chispa de cando en vez, e todas estas inesperadas mensaxes románticas garantirán que valores á túa parella por riba de todo. Para expresar o teu amor, envía esta mensaxe. Estas profundas mensaxes de amor axudaranche a crear recordos fermosos e románticos coa túa parella.
ፍቕሪ ኣዝዩ ጥዑምን ዘሐጉስን ነገር ኢዩ። ኣብ ዘሎና ዝምድና ዝርርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታ ኢዩ። ነቲ ዘሎና ፍቕሪ ድማ ኩሉ ግዜ ከነርእዮ ኣገዳሲ ኢዩ። ንመጻምድትና ከምነፍቕሮምን ብእኦም ከም ንሓስብ ዘሎናን ከነፍልጦም ከሎና ኣዝዩ ባህታ ዝፈጥርን ነቲ መዓልታዊ ንረኽቦ ናቶም ግብረመልሲ ድማ ብኣወንታ ዝጸሉን ኢዩ። ልዑል ዝኾነ ተገዳስነትን ፍቕርን ንመጻምድትኻ ብዘርኣኽሞ መጠን ናትኩም ዝምድና ይተርር።
ፍቕርኹም ኩሉ ግዜ ሃልሃል ከምዝብል ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣሎኩ። ኣብ ሕብረተሰብና ብዙሕ እኳ ልሙድ እንተዘይኮነ ፍቕራዊ ዝኾነ መልእክቲ ብሞባይል ምስዳድ ሓደ ካብቶም ብሉጻት መንገዲ ዝኾነ ሰብ ናቱ ተወፋይነትን ፍቕርን ዝገልጸሉ መንገዲ ኢዩ።
ብትግርኛ ዝዛረቡ ሰባት ነዚ ነገር እዚ ክገብሩዎ ይኽእሉ ኢዮም ፣ ንኣብነት ሓንቲ ጎርዞ ከምዚ ክብል ይኽእል “ንስኻ ናይ ክምስታይ ምኽንያት ምዃንካ ክትፈልጥ ይደልየካ”። ሰባት ብቛንቛ ኣደ ብዝበለጸ ሓሳባቶም ክገልጹ ይኽእሉ። ብዙሓት ሰባት ግን ፍቕሮም ከም ድላዮም ኣብ ምግላጽ ክሽገሩ ይረአ።
ናይዚ ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሽን ቐንዲ ጥቕሚ እምበኣር ነዚ ነገር ኣብ ምቕላል ኢዩ። እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ፍቕራዊ ዝኾን መልእክታት ዝሓዘ ኮይኑ ፣ ናብ ወዲተባዕታይን ጓልኣንስተይትን ክስደድ ይከኣል። እቲ ናብ ወዲተባዕታይ ክስደድ ዝከኣል “ንዕኡ” ተባሂሉ ተዘርዚሩ ኣሎ ፣ ናብ ደቀንስትዮ ዝስደድ ከኣ “ንዓኣ” ተባሂሉ ተዘርዚሩ ይርከብ።
ነዚ ኣፕሊኬሽን ምትቓምኩም ኣዚና ነምስግን።
Última actualización
24 de ago. de 2024