ሓጺር መእተዊ ብዛዕባ ምስላታት ትግርኛ
ምስላ ጭቡጥን ዘይተሓላለኸን ቃለ-መግለጺ ኮይኑ ፣ ብመብዛሕቲኡ ሰብ ፍሉጥን ዝደጋገምን ኢዩ። ምስላ ድማ ንሓቂ ኣብ እንዶ ወይ ሕሉፍ ተምክሮ ምርኩስ ይገልጾ። ምስላታት ካብ ናብ ባህልታትን ሕብረተሰባትን ዝለቃቃሕ ከኸውን እንከሎ ፣ ነፍሲወከፍ ሕብረተሰብ ናቱ ፍሉይ ዝኾነ ምስላታት ዝሓዘ ኢዩ። ምስላ ክበሃል እንከሎ ናይ ብሓቂ ክትገልጾ ኣሸጋሪ እኳ ኣንተኾነ ግን ከምዚ ዝስዕብ ተባሂሉ ይከኣል ሓጺር ሓጺር ምሉእ ሓሳባት ኮይኑ ፣ ጽቡቅ ጌይሩ ዝፍለጥን ኣብ እዋናት ድማ ፍሉይ ፍሉይ ረምታ ዝህልዎን ኢዩ።
ማዕዳ ፣ ናይ ልቦና ፍረ ነገር ፣ ብሄራዊ ተመክሮ ፣ ሓቂ ፣ ሞራልን ኣጠማምታን ዘተጠቃለለ ኮይኑ ፣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብጽቡቕ ብዝፍለጥ ክዝከር ብዝኽእልን ውስጠዛዊ መንገዲ ድማ ይግለጽ ”። ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ድማ ይሰጋገር። ምፍታሕ ምስላ መብዛሕቲኡ ግዜ ክብድ ዝበለ ኮይኑ ግን ነቲ ተገሊጹ ዘሎ ኩነታት ክትፈትሖ ዝቀለለ ይኸውን። ምስላታት መብዛሕቲኡ ግዜ ብእኹላት ሰባት ዝዝውተር ኮይኑ ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንጥቀመሎም።
ኣብ ናይ መዓልታዊ ዝርርብ ፣ ኣብ ጽሑፍ ፣ ፣ ናይ ስነ ጥበብ ስራሓትን ይዝውተሩ። ምስላታት ካብ ብዙሕ ነገራት ክንረኽቦን ከነጽንዕን ንኽእል። ኣብ ገዛ ፣ ትምህርቲ ፣ መራኸቢ ብዙሃን ካልኦትን ድማ ንኽእል።
עדכון אחרון בתאריך
24 באוג׳ 2024